የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4595435
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1796
2526
6922
4567652
33400
77308
4595435

Your IP: 54.90.207.75
2017-12-12 17:46

ዓሙቕ ተሃድሶ ወይስ ውዳሰ ተራ ስብከት?

here we go
selam new

ሕድሪ ካብ መቐለ

ኣብ ሃገርና ነቲ ኣብ ውሽጢ ውድብን መንግስትን ክፍጠር ንዝድለ ለውጢ ንምምፃእ ተሓሲቡ ዝተሳለጠ ዓመCቕ ተሃድሶ ስዒቡ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ውሳነታት መንግስቲ ንህዝቢ ብግልፂ ከምዝተነገሩ ይፍለጥ እዩ። ካብዚኦም ሓደ ሓደጋ እቲ ስርዓት ተባሂሎም ካብ ዝተነፀሩ ሓደ ዝኾነ ተግባር ኣካብነት ክራይ ንዝፍጠር ለውጢ ተጠቃሲ እዩ። ነዚ ስዒቡ እውን ኣብ ቀረባ እዋናት ብግዕዝይና ዝተጠርጠሩ ዓበይቲ ናይ መንግስቲ ሰበስልጣናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ኣለዉ። ክሳብ እቶም ዝሓለፉ ቀረባ መዓልቲታት ጥራሕ ናብ 54 ዝበፅሑ ውልቀ ሰባት በዚ ተግባር ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሕጊ ከምዝወዓሉ ብመራኸብቲ ሓፋሻት እናተፀብፀበ ፀኒሑ እዩ።

ኣብ ልዕሊ እዙይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሓደ ጊዜ 254 ዝኾኑ ብስርቅን ዝተፈላለዩ ተግባራት ወንጀልን ዝተጠርጠሩ ጉጅለ ሰረቕትን ማፍያታትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ተባሂሉ ብዕሊ ተዘሪቡ ኣሎ። እዚ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሃገርና ተፈጢሩ ዝነበረ ህውከትን ዘይምርግጋዕን ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ተኣዊጁ ዝፀንሐ ናይ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ከምዝተልዓለ ብዕሊ ተኣዊጁ ኣሎ። ነዚ ስዒቡ እውን ገለ ፀረ ሰላም ሓይልታት 24 ሰዓታት ኣብ ዘይመልእ እዋን ኣብ ከተማ ባህርዳር ቡምባ ከምዘፈንድኡ ንምዕዛብ ሰሚዒና። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ዝመስለኒ እቶም ብመንግስቲ ተወሲዶም ዘለዉ ዓበይቲ ስጉምትታት ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝተፈላለየ ርኢቶታት ከስዕብ ከምዝኽእል ምግማቱ ፅቡቕ እዩ ዝመስለኒ።

እቶም ርኢቶታት ከከም ናይቲ በዓል ርኢቶ ደርባዊ መንነትን ኣተሓሳስባን ክውሰኑ እዮም። ኣብዚ ብዙሓት ምጥቃስ ዝከኣል እኳ እንተኾነ ናይቲ መንግስቲ ደገፋትን ተቓወምትን ብዝብል ኣብ ክልተ መቒልካ ምርኣይ እውን ግን ከጠቓልሎ ይኽእል እዩ። ተቓወምቲ፣ ፀላእትን ተወላወልተቲ ሓይልታትን  ብዘይካ ስልጣን ካሊእ ዝረኣዮም ስለዘየለ ኣብቶም ስጉምትታት ሚዛናዊ ክኾኑ ኣይንፅበዮምን። ናይዚኦም ድሌት ኣብ ሃገርና ሰላም ዲሞክራሲ ልምዓት ነጊሱ ናይ ሓፋሽ ድልየትን ተጠቃምነትን ክማላእ ኣይደልዩን። እዙይ እንተተማሊኡ ዕለተ ሞቶም ይቀላጠፍ ከምዘሎ ስለዝግንዝቡ ብህውከትን ዕግርግርን ሃገር ክትሕመስ እዮም ዝመርፁ። ኣይኮነሎምን እንበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጎንደር ዝጀመርዎ ህውከት ኣብ መላእ ሃገር ክስፋሕፋሕ ይደልዩ ነይሮም።

እዚኦም ነቲ ውልቃዊ ጥቕሞም ልዕሊ ጥቕሚ ሃገር ዝሰርዑ ሓይልታት እዮም። ፍልስፍናኦም “ጭር እንትብል ቃሕ ኣይብለንን” ዝዓይነቱ ስለዝኾነ መሳርሒ ህልውነኦም ሓንትን ሓንትን እያ። ንሳ እውን ህውከትን ዕግርግርን ምፍጣር። እዚ እንትገብሩ ነታ በትሮም ምምንጣል ግን ዘይከኣል ስለዝኾነ  ኣይኮነን። ብወያናይ ዲሞክራሲ ሓይሊ ምምንጣል ይከኣል እዩ። ኣብ እዋን ዕጥቂ ቃልሲ እውን ተመንጢሎም ነይሮም እዮም። ንምንታይ ድኣ መሊኦም ዘይምንጠሉ?

ነቲ ሕዚ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣከብቲ ክራይ ጀሚርዎ ዘሎ ስጉምቲ እቲ ብሙሉእ ልቡ ዝድግፎ ተግባር እዩ ኢለ ይኣምን። እኳ ድኣስ “ንምንታይ ዘንጊዑ? እምበር ከ እዚ ኩሉ ክሳብ ዝኸውን  ኢህወዴግ ዝመርሖ መንግስቲ ነይሩ ክንብል ዶ ንኽእል? እዩ ዝብል። ነቲ  ዕላዊ ተገይሩ ዘሎ ምልክት ድኣ እምበር እቲ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ጉድለትን ግዕዝይናን ሰፊሕን ዓሙቕን ከምዝኾነ እዩ ዝገልፅ። እቲ  ሕብረተሰብ ቅድሚ እቲ መንግስቲ ናብ ከምዚ ዝበለ ተግባር ዝኣቱ ሰፊሕን ዓሙቕን ትዕዝብቲ ከምዝነበሮ እዩ ዘመላኽት። እዚ ኮይኑ ሕዚ ኸ ኢህወዴግ ዝመርሖ መንግስቲ ክንድየናይ ቁርፀኛ ኮይኑ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ቃልሲ ንቕድሚት ክወስዶ  ዝብል ሕቶ ዘልዕሉ ብዙሓት እዮም።

ብመሰረቱ እቲ “ብዕምቆት ተሃዲስና ኢና” ዝብል ምስቲ ዝነበረ ፀገምን ድሕሪ መድረኽ ተሃድሶ ተመዝጊቡ ዘሎ ለውጢን ኣመዛዚንካ ክረአ ከሎ እንታይ ይመስል? ንምዃኑ እቲ ለውጢ ከመይ ይምዘን ዕምቆቱኸ ክሳብ ክንደይ እዩ? ኢልና ክንርኢ ኣለና።ንምዃኑ ተሃድሶ ብህወሓት/ኢህወዴግ መርኣያ (Scope) እንታይ  ማለት እዩ? ተሃድሶ ኣብ እንዳ ህወሓት/ኢህወዴግ ተራ ገምጋም፣ ምክእኣል፣ ምትዕፅፃፍ፣ ምሽውዋድ፣ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ቃልዓለም ምዝራብ፣ ኣብ ስግኣት ውሽጢ ምንባር ወዘተ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ፀብፃባት ናይ ቁፅርታት ቁማር ጨዋታ ምጭዋት ማለት ኣይኮነን። ይኹን እምበር ሕዚ ካብቲ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ መልክዑ ተሃድሶ ዝብል ቋንቋ ናይ መልሓስ ቃላት ፀዋታ እዩ ኮይኑ ዝርአ ዘሎ። እቲ ዝገርም እቲ ኣብ ግዕዝይና ዝጣሓለ ከይተረፈ እዩ ተሃዲስና ወፂና እናበለ ተዋስኦ ክሰርሕ ዝውዕል ዘሎ። ተሃዲሱ እንተይኮነስ እናባጫየን ናይ ቁፅርታት ፀዋታ እናተፃወተን ዝውዕል ዘሎ ምዃኑ ክንደየናይ ንግንዘብ?

ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ውድብና ህወሓት ከም እንምሃሮ ተሃድሶ ናይ ኣተሓሳስባን ተግባርን ዝላ ምምፃእን ውፅኢታዊ ስራሕ ምስራሕን ከመዝኾነ እዩ ዝፍለጥ። ተሃድሶ ካብ ወያናይ ኣተሓሳስባን ስነ ምግባርን ወፃኢ ናይ መድረኽ ድራማ ወይ ኣብ ዘለኻዮ ምርግጋፅ ከምዘይኮነ ካብ ናይ ውድብ ህወሓት ናይ 1977 ዓ/ምን ናይ 1993 ዓ/ምን ተሃድሶታት ትምህርቲ ክወስድ ይከኣል እዩ። ምፍጣር ማሌሊት  ኣብቲ ዕጥቂ ቃልሲ ሓዱሽ ዓቕሚ ክፈጥር ክኢሉ ነይሩ። ኣብ ሓፂር ግዜ ድማ ናይ ሓይሊ ሚዛን ምቅይያር ኣምፂኡ። ንደርጊ ኣብ ሓፂር ክበሃል ዝኽእል ግዜ ክንስዕሮ ኣኽኢሉና። ማሌሊት ዝኽኣለ ክንዲ ዝኸኣሎ ክሳለ፣ ዝተሸኸለ ማለት እውን ምስቲ መድረኽ ዝጠልቦ ዕማም ክጎዓዝ ዘይከኣለን ምስቲ ድሑር ኣረኣእያ ከም ቁርዲድ ተጣቢቑ ዕንቅፋት ዝፈጥር ዝነበራ ድማ በዘይንሕስያ ብምቅንጣብ ክእለ ተገይሩ። ስለዝኾነ እውን ልዕልነት ወያናይ ኣተሓሳስባታት ተረጋጊፁ፤ ኣብ ኩሉ ዝላ ተመዝጊቡ፤ ፀላኢ ክሕምሽኽ ተኻኢሉ። ኩሉ ህዝብን ሰራዊትን ነቶም ቁልፊ ናይ መድረኽ ዕማማት ከዐውቱ ዓሲሎም። ነቲ ዘይፈርስ ዝመስል ዝነበረ ጎቦ ኣፍሪሱ ኣብ ሽትኡ ብምብፃሕ ዓወት ኣበሲሩ።

ኣብ 1993 ዓ/ም ኣብ ህወሓት ዝተኻየደ ተሃድሶ እውን ካሊእ መርኣያ እዩ። ኣብ መንጎ እቲ ህዝባዊ ልምዓታውን ዲሞክራሲያውን መስመር ዝወነነን ኣብ መንጎ ነቲ ልእኹ ረሲዑ ኣብ ዕንክሊል ኣትዩ ዝነበረን ፍሕፍሕ ብዘይሕንከትን ምውልዋልን ደርባዊ ፍሕፍሕ ተኻይድሉ ውፅኢት እውን ተመዝጊብሉን እዩ። ነቲ ኣብ 15 ዓመት ክምዝገብ ክኢሉ ዘሎ ዕብየት እውን መሰረቱ እቲ ብእዋኑ ዝተኻየደ ተሃድሶ ምዃኑ ማንም ዝኽሕዶ ኣይኮነን። ዓብይ ዝላ ኣምዝጊቡ እዩ። ብልሒ ዝነበሮ ቃልሲ ተኻይዱ ብተግባር ድማ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ውፅኢታት ተመዝጊቡ እዩ።

ኣብ 2009 ዓ/ም ውድብን መንግስትን ኣካይድናዮ ዝብልዎ ዘለዉ ተሃድሶ ብኣንፃር እቶም ዝሓለፉ ተሃድሶታት ክምዘን ከሎ እንታይ ደረጃ ክወሃቦ ይኽእል? እዚ ናይ ሕዚ ሕመቕ ሃገር ናብ ደንደስ ምፍራስ ሃገርን ህዝብታት ክሳብ ናብ ምንቛርን ምብኣስን ኣብፂሑ ዝነበረ እዩ። ናይዚ ቀንዲ ተሓታቲ ኢህወዴግ እዩ። ኢህወዴግ ክቃለሰሎም ዝፀንሐ መስመራትን ኣንፈታትን ተሸርሺሮም እቲ ፖለቲካዊ ጨዋታ ኣብ ኢድ ኣካብቲ ክራይ ኣትዩ። ብምኽንያት እዚ እቶም ብደምን ኣዕፅምትን ስውኣት እናተነደቑ ዝመፁ ወያናይ ክብርታት እናተሸርሸሩ ብኣካብነት ክራይንን ፀረ ዲሞክራሲ ተተኪኦም ረብሓታት ሓፋሽ ተደፊኖም ውሕዳት ኣከብቲ ክራይ ተጠቀምቲ ዝኾንሉ ባይታ ሱር እናሰደደ ይመፅእ ኣሎ። ኣከብቲ ክራይ ነቲ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን መስተጋብራት ሃገርና ተቖፃፂሮም ነቲ ፌደራላዊ ሕገ መንገስታዊ ስርዓት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከውድቕ ዝኽእል ዓቕሚ ይፈጥሩ ከምዝለዉ ዝተፈጠረ ብቐሊሉ እንዕዝቦ ዘለና ጉዳይ እዩ።

 እንታይ ይገብር?

በቶም ኣብ ውሽጢ ውድብን መንግስትን ዝተፈጠሩ ሕመቓት ሃገርና ናብ ህውከትን ዘይምርግጋዕን ከምዝኣተወት፤ እቲ መንቀሊ ድማ ናይ ኢህወዴግ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ምሽርሻርን  ምልማስን ከምዝኾነ፤ እዚ እንተኾይኑ ድማ ተሓታቲ ናይ ኢህወዴግ ኣመራርሓ ከምዝኾነ እናገለፅና ፀኒሕና። ኢህወዴግ እውን ከምኡ እዩ ዝብል ዘሎ። ይኹን እምበር ካብቲ ፀገም ንምውፃእ ኣካይድናዮ ዝብሎ ዘሎ ዓሚቕ ተሃድሶ እቲ ዝድለ ሸቶ ከምዘይወቅዕ ዘመላኽቱ ምንቅስቓሳት ንዕዘብ ኣለና። ምስ ኣካብቲ ክራይ ተሸማጊሉ ኣፍ ኣፍ ልጓም ኢሉ ሕሙምን ጥዑይን ብሓደሰ ኣሳፊሩ ይኸይድ ኣሎ። ከምዚ እንተቐፂሉ እቲ ተሃድሶ ካብ ተራ ናይ መድረኽ ፅዋ ምዃን ሓሊፉ ዝላ ዘምፅእ ኣይኸውንን። ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ዓብዪ ናይ ፅሬት ስራሕ እንተዘይተኻይዱ ባእታታት ወያናይ ዲሞክራሲ ልዕልነት ረኺቦም ነቲ ህዝባዊ ማዕበል ክቃኒይዎ ዝኽእልሉ ዕድል ዝህሉ ኣይመስለንን። ስለዚ ካብቲ ሽግር ብዘላቂነት ንምውፃእ፡-

1/ ኣብ ውሸጢ ኢህወዴግ ዝርከብ መሪሕ ባእታ ምልስ ኢሉ ነቲ “ዓሙቕ ተሃድሶ” ፈቲሹ ነቶም ናይ ኢህወዴግ ካባ ደሪቦም ነዛ ሃገር ናብ ሓደጋ ምብትታን ዝወሰድዋ ዘለው ዓበይቲ ኣከብቲ ክራይ ብዝግባእ ፈልዩ ንገዛ ርእሱ ተመዓራርዩን ብምውፃእ መንነቶም ክቃላዕ ክገብር አለዎ። እዚ ክሳብ ዘይገበረ ግን እቲ ለውጢ ከምዘይመፅእ እኹል ግንዛበ ክትሓዝ ኣለዎ እብል።

2/ ኩሉ ኣመራርሓን ኣባልን ኢህወዴግ ካብ ድባብ ኣፍ ኣፍ ልጓም ወፂኡ ፅላል ግልፅነት ኣሳጢሙ ክሕዝን ኣብ መትከሉ እውን ክፀንዕን ይግባእ ይብል።

3/ ንሕና ተጋሩ ድማ ንከባቢያዊነት ተቃሊስና ኣንፃር ናይ ሓባር ፀላኢና ዝኾነ ትምክሕቲ ከምቲ ልሙድ ብፅንዓት ጠጠው ኢልና ክንቃለስ ይግብአና። ነንርእስና እናተጓነፅና መሳርሒ እቶም ፀላእቲ ኣይንኹን። ኩሉ ሻብ ተጋሩ እንትንሓብር ንስዕር፤ ንፋስ እንትኣትውና ድማ ከምንስዓር ታሪኽና ይምስክር እዩ። ንፀላእትና ክፍተት ኣይንፍጠር፤ ቀላፅምና ኣንፃር ትምክሕትን ፀቢብነትን ከባቢያውነት ይሕበር።

 ልዕሊ ኩሉ ብሄራዊ መንነትን ሓድነትን ነቕድም። ህልውና ትግራዋይነትና ዝረጋግፅ ተግባር ነቀድም ረብሓ ከባቢነታትና ክረጋገፅ ዝኽእል ረብሓ ሃገር ትግራይ እንትማላእ ስለዝኾነ ብኸባቢያዊነት ምስካር ውፅኢት ውድቀትን ጥፍኣትን እያ። ሓበራውን ሓድነታዊ ኣተሓሳስባና ንምድኻም ብፀላእትና ዝድርበየልና ዘሎ ናይ ጥፍኣት ኩዕሶ ተቐቢልና ከም ናይ ኢድ ቡምቧ መሊስና ናብቶም ፀላእቲ ኢና ክንድርብዮ ዘለና። ቆሊብና ክንፃወተሉ ፈፂሙ ኣይግባእን። ናይቶም ስውኣትና ሕድሪ እውን ሓድነታ ዝተሓለወ ሓንቲ ጥንክርቲ ትግራይ ክትህሉ እምበር ብኸባቢያዊነት ዝሓመመት ትግራይ ክትህሉ ኣይኮነን። 


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010