የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4595442
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1803
2526
6929
4567652
33407
77308
4595442

Your IP: 54.90.207.75
2017-12-12 17:47

መፍረያይነት ንምዕባይ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ፃውዒት ቀሪቡ

here we go
selam new

ጠሊ ዓቐብቲ መደባትና ብዘይምቑራፅ ንዕመም!

“ኣብ ትግራይ ኣብ ዘመነ ምህርቲ 2009/2010 ዓ.ም ልዕሊ ሓደ ነጥቢ ክልተ ሚልዮን ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ዝራእቲ ተሸፊኑ እዩ” ክብል ቢሮ ልምዓት ገፀርን ሕርሻን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። ነቲ ዘሎ ምችዊ ኩነታት ክራማት ብምጥቃምን ጠሊ ዓቀብቲ መደባት ብምስላጥን 28 ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ኩንታል እቶት ንምርካብ ዝሕግዙ ወሰንቲ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ድማ ፀዊዑ።

ኣብቲ ቢሮ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ስነ ዝራእቲ ኣይተ ሓለፎም ነጋሲ ብፍሉይ ንጋዜጣ ወይን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ ኣብ ዘመነ ምህርቲ 2009/2010 ከም ክልል ክዝራእ ዝተተለመ ስፍሓት መሬት 100 ምኢታዊ ብዝተፈላለዩ ዝራእቲ ተሸፊኑ እዩ። ካብቲ ዝተዘርአ ጠቕላላ ስፍሓት መሬት 660 ሽሕን 842 ሄክታር ብመስመር ንምዝራእ ትልሚ ተታሒዙ 419 ሽሕን 918 ሄክታር ብመስመር ከም ዝተዘርአ ኣብሪሆም።

መፍረያይነት ዘዕብዩ እታዎታት ምስ ምጥቃም ተዛሚዱ እውን ከም ክልል 675 ሽሕን 969 ኩንታል ዘመናዊ ድኹዒ ንምትእትታው ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ 442 ሽሕን 342 ኩንታል ጥራሕ  ክፍፀም ከም ዝኽኣለ ኣይተ ሓለፎም ኣረዲኦም። ይኹን እምበር ዝተትሓዘ ሸቶ ብምሉነት ኣብ ምትግባር ሰፋሕቲ ጉድለታት መሪሕነት  ከም ዝተርኣዩ ዘብርሁ እቶም በዓል ሞያ፣ ኣብ ክሊ እዚ ግና ካብ ዞባ ናብ ዞባ ሰፊሕ ኣፈላላይ ምንባሩ ኣመልኪቶም። ብመሰረት እዚ ዞባታት ምብራቕ 97 ምኢታዊ ከምኡ እውን ዞባ ደቡብ ምብራቕ 96 ምኢታዊ ናይ ሸቶአን ፍፃመ ብምሓዝ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ዘመዝገባ እንትኾና ዞባ ምዕራብ ድማ 19 ምኢታዊ ዝኾነ ኣፈፃፅማ ብምሓዝ ዝተሓተ ጠለብ ዘመናዊ ድኹዒ ዝተርኣየላ ምዃኑ ተነፂሩ ኣሎ። እዚ ድማ ምስ ሓረስታይ ግቡእ ዝኾነ ስራሕቲ ምትእምማንን መሪሕነትን ካብ ዘይምሃብ ዝብገስ ምዃኑ ኣብሪሆም። ብተመሳሳሊ ኩነታት ካብ መኽዘን ዝጥለብ ምሩፅ ዘርኢ ናይ ምጥቃም ሸቶን ፍፃመን እንትርአ  ካብ ዝተተለመ 52 ሽሕን 580 ኩንታል ብሓረስቶት ዝተጠለበ እቲ 19 ሽሕን 417 ኩንታል ከም ዝኾነ ኣይተ ሓለፎም ሓቢሮም። ኣብዚ ድማ ዞባታት ማእኸላይን ምብራቕን ብተነፃፃሪ ዝሓሸ ፍፃመ ዘረአያ ክኾና ክኢለን ኣለዋ።

ምስ ስራሕቲ ክትትል ባልዓት ተዛሚዱ ኣብ 2009 ዓ.ም ኣብ 18 ወረዳታት፣ 195 ጣብያታትን 385 ቁሸታትን ብፍሉይ ዝተርአየ ባርኖስ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ 5‚134 ሄክታር ተራእዩ ምንባሩ እቶም በዓል ሞያ ኣመልኪቶም። ህዝብን መንግስትን ብዝገበርዎ ርብርብ ድማ 88 ምኢታዊ ብባህላዊ መንገዲ 12 ምኢታዊ ከዓ ብኬሚካል ምክልኻል ከም ዝተኽኣለ ገሊፆም። ይኹን እምበር እቲ ባልዕ ምክልኻል ተገይርሉ ማለት ጠፊኡ ማለት ከም ዘይኮነን ዳግማይ ክለዓል ስለ ዝኽእል በብእዋኑ ዘድሊ ስራሕቲ ክትትል ምግባር ወሳኒ ምዃኑ ኣይተ ሓለፎም ኣረዲኦም።

ብመሰረት እዚ መፍረያይነት ንምዕባይ ክግበሩ ዝግብኦም እታዎታት ናይ ምጥቃም፣ ግቡእ ዝኾኑ ስራሕቲ ምዕቃብ ጠልን ክትትል ባልዓትን ብዝተዋደደን ውዳበታት ሓረስታይ ማእኸል ብዝገበሩን ኣገባባት ኣጠናኺርካ ምኻድ ከም ዘድሊ እቶም በዓል ሞያ ኣሓሳሲቦም።     

   መፃኢ ዘመን፣ ዘመነ ብራኸ ኢትዮጵያውያን እዩ!

 

v “10 ዓመት ዘልዐልናሉ ሓዱሽ ሚሊንየም ኣንፀባረቕቲ ዓወታት ዝተሓፈሰሉ እዩ” ተባሂሉ

ድሕሪ ምኽባር ሚሊንየም 2000 ዓ.ም ዝሓለፈ ጉዕዞ 10 ዓመት ብመዳይ ህንፀት ዴሞክራሲ፣ ምርግጋፅ ዘላቒ ልምዓት፣ ርክባት ወፃእን ዲፕሎማስን ኣንፀባረቕቲ ዓወታት ከም ዝተመዝገቡን መፃኢ ዘመን ድማ ዘመነ ብራኸ ኢትዮጵያውያን ምዃኑን መንግስቲ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጰያ ገሊፁ።

ንዝሓለፈ ጉዕዞ 10 ዓመት ካልኣይ ሚሊንየም መሰረት ገይሩ ዝተዳለወ ሰነድ ፀብፃብ ፌደራላዊ መንግስቲ፣ ህዝብታት ኢትዮጵያ ቅድሚ 10 ዓመት ኣብ 2000 ዓ.ም ንሓዱሽ ዓመት ሚሊንየም ብዝለዓለ ታሕጓስን ድመቀትን ኣብ ዝተቐበልሉ ግዘ ዓብይ ተስፋ ብዝተመልኦን ታሪኻዊ ሓላፍነት ንምፍፃም ኣብ ዝለዓለ ሞራላዊ ድልውነት ብምዃንን ምንባሩ ኣዘኻኺሩ። ኢህወዴግ ድማ ኩለመዳያዊ ዕብየት ኢትዮጵያ ብምቅልጣፍ ድኽነት ነበረ ንምግባር ብሓዱሽ መልክዕ ታሪኻዊ ሓደራነት ዝተቐበለሉ ዓመት ምንባሩ ገሊፁ። ድሕሪ ሚሊንየም 2000 ዓ.ም ኣብ ዝሓለፉ 10 ተኸታተልቲ ዓመታት ብመዳይ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ፣ ዘፈራት ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊ፣ መሰረተ ልምዓት፣ ርክባት ጉዳያት ወፃእን ዲፕሎማስን ብመሰረት ዝተትሓዙ ሸቶታት ዓበይቲ ሃገራዊ ዓወታት ምምዝጋብ ከም ዝተኽኣለ እውን እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ብመሪሕነት ኢህወዴግን ዝሓበረ ቀላፅም ህዝብታት ኢትዮጵያን ድሕሪ 2000 ዓ.ም ብዝበለፀ ዕምቆት እናረኸበ ትካላት ዴሞክራሲ እውን ዝያዳ እናጠጥዓ ከም ዝመፅኣ እቲ ዝተዳለወ ፀብፃብ የመላኽት። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ስራሕቲ ኢኮኖሚ እውን ድሙቓት ዓወታት ከም ዝተመዝገቡ እቲ ፀብፃብ ከም ሓደ መርኣዪ ዘቐመጦም  ኣብ ማይክሮ ኢኮኖሚ ዝተመዝገበ ለውጢ እዩ። ንሱ እውን ካብ 2000 ዓ.ም ክሳብ 2008 ዓ.ም ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ኣጠቓላሊ ምጣነ ሃገራዊ ዕብየት ብማእኸላይ 10 ምኢታዊ ምምዝጋቡ ተገሊፁ ኣሎ። ኣብ መንጎ እዚ ዝለዓለ ዕብየት ዝተመዝገበሉ ብ2003 ዓ.ም ከም ዝነበረ ዘረድአ እቲ ፀብፃብ ንሱ እውን 11 ነጥቢ ኣርባዕተ ሚኢታዊ ምንባሩ ኣብሪሁ። ብኣንፃሩ ዝተሓተ ዕብየት ሸሞንተ ምኢታዊ ዝተመዝገበ ድማ ብ2008 ዓ.ም እንትኸውን ናይዚ ምኽንያት ድማ ለውጢ ንብረት ኣየር ብዘስዐቦ ድርቂ ምንባሩ ተሓቢሩ። ብመንፅር ምቕናስ መጠነ ትሕቲ ድኽነት ዝነብር ህዝብና እውን ብ2003 ዓ.ም ካብ ጠቕላላ በዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ እቲ 29 ነጥቢ ሽዱሽተ  ምኢታዊ ዝነበረ ኣብ 2008 ዓ.ም ናብ 23 ምኢታዊ ክወርድ ክኢሉ ኣሎ። ብተወሳኺ ዘፈር ሕርሻ ዘመናዊ ምስ ምግባርን ፍርያትን መፍረያይነትን ንምዕባይ ብዝተገበረ ፃዕሪ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ዓመታት ብማእኸላይ  ካብ ሄክታር 17 ነጥቢ ሓሙሽተ ኩንታል ክርከብ ክኢሉ። ኣብ ዓንዲ ዝራእቲ ዝለዓለ ወሰኽ ፍርያት እናርአየ ብምምፃእ ኣብ 2007 ዓ.ም ልዕሊ 270 ሚልዮን ኩንታል እቶት ከም ዝተረኸበ ዘዘኻኸረ እቲ ፀብፃብ እዚ ድማ ፍርያትን መፍረያይነትን ሕርሻ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ወሰኽ እናርአየ ይኸይድ ምህላው ኣመላኺቱ።

 ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመት ዝተመዝገበ ካልእ ውፅኢታዊ ለውጢ ወሰኽ ኣታዊ ነብሲ ወከፍ ዜጋ እንትኸውን ንሱ እውን ኣብ ፈላማይ ዓመት ሚሊንየም ዝነበረ 373 ዶላር ኣሜሪካ ኣብ 2008 ዓ.ም ናብ 794 ዶላር ኣሜሪካ ከም ዝዓበየ እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ። እዚ ብማእኸላይ ናይ ትሽዓተ ዓመት እንትስላሕ ሓደ ዜጋ 526 ዶላር ኣሜሪካ ዝረኽበሉ ኩነታተ ተፈጢሩ ምህላዉ እውን ተሓቢሩ።

ብዛዕባ ኢኮኖሚ እንትለዓል ንኩነታት መነባብሮ ዜጋታት ዝፈታተን ናህሪ ዋጋ ሓቢሩ ከም ዝለዓል ዘመላኸተ እቲ ፀብፃብ፣ ብመዳይ እዚ እውን ኣብ 2001 ዓ.ም 36 ነጥቢ ኣርባዕተ ዝነበረ ናህሪ ዋጋ ብ2008 ዓ.ም ትሽዓተ ነጥቢ ሸውዓተ ምኢታዊ  ኮይኑ  እዩ ተመዝጊቡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ናህሪ ዋጋ ዘስዕቡ ተግባራት እንተጋጥሙ መንግስቲ ብዝገበሮ ቁፅፅር ከምኡ እውን ኣብ መሰረታዊ ሸቐጣት እናገበሮ ብዝመፅአ  ድጎማ ምኽንያት ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ምስ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ተዛሚዱ ድማ ብፍላይ ካብ 2002 ዓ.ም ጀሚሩ ብዝተኣወ ፕሮግራም ልምዓት ኣባይቲ ጥራሕ ካብ ሓደ ነጥቢ ክልተ ሚልዮን ንላዕሊ ወገናት ተጠቀምቲ ዝተፈላለዩ ዕድላት ስራሕ ንምዃን ክኢሎም። ብተመሳሳሊ መልክዑ ኣብ ትካላት ደኣንት እውን ካብ 2002 ዓ.ም ክሳብ 2007 ዓ.ም ኣብ ዝነበሩ ዓመታት 10 ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ዜጋታት ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ዕድላት ስራሕ ረኺቦም እዮም።

ኣብ ስራሕቲ ማሕበራዊ ግልጋሎት እውን ሰፋሕቲ እወንታዊ ለውጥታት ከም ዝተመዝገቡ ዘመላኸተ እቲ ፀብፃብ ካብዚ ብኣብነት እንትርአ ብ2002 ዓ.ም ካብ ዝነበረ በዝሒ 26 ሽሕን 951 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ብ2008 ዓ.ም ናብ 33 ሽሕን 373  ክዓቢ ከም ዝኽኣለ ተገሊፁ። ልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተበፃሕነት ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ፅርየት ትምህርቲ ንምምሕያሽ እውን ፓኬጃት ቀሪፁ ብዕቱብ ይሰርሕ ምህላዉ ተሓቢሩ። ብተመሳሳሊ ኩነታት ፖሊሲ ጥዕና ኢህወዴግ ብዝፈጠሮ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ሕማማት ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻል ኣንፈት ብምሕያል ምስኡ እውን ትካላት ጥዕና ናይ ምስፍሕፋሕ ጉዳይ ብዕቱብ እናተሰርሐሉ ምምፅኡ ተነፂሩ እዩ። ብምዃኑ እውን ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ 153 ጥራሕ ዝነበራ ትካላት ጥዕና ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 3‚547 ጣብያታት ጥዕና ክህልዋ ብምግባር ን25 ሽሕ ህዝቢ ሓደ ጣብያ ጥዕና ኣብ መላእ ሃገር ምብፃሕ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብመሰረት እዞም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁን ካልኦት እወንታዊ ውፅኢታትን መፃኢ ዘመን ኢትዮጵያውያን ዘመነ ብራኸ ምዃኑ ዘመላኽቱን ናብ ዝበለፀ ብራኸ ዘሰጋግሩን ዓወታት ምምዝጋብ ከም ዝተኽኣለ እቲ ዝተዳለወ ፀብፃብ ሓቢሩ ኣሎ።  


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010