የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4291917
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1550
2449
12188
4258204
60647
89268
4291917

Your IP: 54.224.49.217
2017-09-21 12:12

ንዘፈር ሕርሻ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግሩ ፓርክታት ኢንዱስትሪ

here we go
selam new

 

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብልዕሊ ኣርባዕተ ቢልዮን ብር ዝህነፅ፣ህንፀቱ ምስ ተዛዘመ ንልዕሊ 700 ሽሕ ዜጋታት ተረባሕቲ ዝተፈላለዩ ዕድላት ስራሕ ዝገብር ከምኡ እውን ንዘፈር ሕርሻ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግር ፓርክ ኣግሮ ኢንዳስትሪ     ባዕኸር 14 ለካቲት 2009 ዓ.ም እምነ ሰረት ብምቕማጥ ተበሲሩ።

ኣብ ምንባር እምነ ሰረት እቲ ማእኸል ኢንዳስትሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢፌዴሪ ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ርእሰ ምምሕርዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ፣ ተወከልቲ ሃገረ ሱዳን፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌደራልን ክልል ትግራይን፣ ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ከምኡ እውን ነበርቲ ባዕኸርን ከባቢኣን ተረኺቦም እዮም። ኣብቲ መድረኽ ምቕማጥ እምነ ሰረት ተረኺቦም ዘረባ ዘስምዑ ቀዳማይ ሚኒተር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ 17 ዓመታት ዘሕብን ታሪኽን ገድልን ዝሰርሐ ህዝቢ ምዃኑ ድሕሪ ምዝኽኻር ኣብ ህላወ ፌደራላዊት ኢትዮጵያ ሰረት ዝኾነ ህዝቢ ምዃኑ ገሊፆም። ስለዝኾነ እቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ፍሉይ ሽሙ ባዕኸር ኣብ ዝበሃል ቦታ ዝህነፅ ፓርክ ኣግሮ ኢንዳስትሪ ውፅኢት መቑሰልትን መስዋእትን ህዝቢ ትግራይ ከም ዝኾነ  ኣይተ ሃይለማርያም ኣረዲኦም። ብተወሳኺ እቲ ፓርክ ኢንዳስትሪ፣ ኢትዮጵያ ኣብ እተመዝግቦ ዘላ ቅልጡፍን ዘላቕን ዕብየት ዝለዓለ ብፅሒት ከም ዝህልዎ ሓቢሮም።

“ ፓርክ ኢንዳስትሪ ባዕኸር ኢትዮጵያ ኣብ እተመዝግቦ ዘላ

ቅልጡፍ ዕብየት ልዑል ብፅሒት ክህልዎ እዩ ”

 ቀዳማይ ሚኒስተር ሃ/ማርያም ደሳለኝ

“ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ፓርክ ኢንዳስትሪ ኢትዮጵያ ክህነፁ ካብ ዝተትሓዙ 17 ፓርክታት ኢንዳስትሪ፣ ፓርክ ኢንዳስትሪ ባዕኸር ሓደ እዩ” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ እቲ እምነ ሰረት ዝተቐመጠሉ ፓርክ ኢንዳስትሪ ብዝተትሓዘሉ ግዘ ክፍፀም ድማ ልዑል ተሳትፎ ህዝብን መሪሕነት መንግስትን ክግበረሉ ምዃኑ ተዛሪቦም። እቲ ፓርክ ኢንዳስትሪ ልዕሊ 40 ዝኾኑ ውፅኢታት ሕርሻ ከወሃህድ ትፅቢት ዝግበረሉ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓማውቲ ህንፀቱ ክዛዘም ተባሂሉ ተነፂሩ ኣሎ። ኣብ ሓደ ዓዲ ምህላው ልምዓት ፓርክ ኣግሮ ኢንዳስትሪ ፅርየት ዘለዎም ዝተፈላለዩ ፍርያታት ሕርሻ ኣብ ሓደ ማእኸል ክወሃሃዱን  ናብ ዕዳጋ ወፃእን ውሽጢ ዓድን ክቐርቡን ብምግባር ዘፈር ሕርሻ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክሰጋገር ካብ ምግባር ሓሊፉ ንዕብየት ኢንዳስትሪ ርኡይ ግደ ዘለዎ ምዃኑ እውን ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ብወገኖም፣ “ዝተዋደደ ፓርክ ኢንዳስትሪ ባዕኸር  ቁጠባዊ ዕብየት ትግራይን ኢትዮጵያን ኣብ ምዕባይ እወንታዊ ብፅሒት ክህልዎ እዩ”     ኢሎም። እቲ ፕሮጀክት ብዝተተለመሉ ግዘ ክፍፀም ብዓቕሚ ክልል ዘድሊ በጀት ካብ ምምዳብ ጀሚሩ ሓይሊ ሰብን ንዋትን ብምቕራብ ይኹን ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ግቡእ ትኹረት ሂብካ ምምራሕን ምስራሕን ከም ዘድሊ ኣብሪሆም። እቲ ፓርክ ኢንዳስትሪ ህንፀቱ ምስ ተዛዘመ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ኣብ ምቕራብ፣ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ምምልማልን ምስታፍን ግደ መንግስቲ ትግራይ ዕዙዝ ከም ዝኸውን እውን ኣይተ ኣባይ ገሊፆም። ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ኣብ ኣፍንጫ ፀላኢ ኮይኑ ፀላእቱ እናመከተ፣ ሰላሙ ብምሕላውን ልምዓታዊ ስራሕቱ ብምቅልጣፍን ይገብሮ ንዘሎ እወንታዊ ተግባራት ኣጠናኺሩ ከቐፅል ከዓ ፀዊዖም። ምስ እዚ ተዛሚዱ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝገበሮም ስራሕቲ ልምዓት ዝረኸቦም ተመክሮታት እናስፈሐን እናጠናኸረን ክኸይድ ፍረ መስዋእቲ ንዝኾነ ባዕኸር ፓርክ ኢንዳስትሪ ድማ በዓል ዋና ኮይኑ ከስርሖን ክከታተሎን ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ኢሳያስ ታደሰ፣ ቅድም ክብል ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ንውድቡ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ ልኡኽ እናዓመመ፣ ብሽም መንነትን ካልእን ንዝሽቅጡ ዝኸሰሩ ፖለቲካኛታትን ፀላእቱን ኣፎም ብምትሓዝ ኣብ ልምዓታዊ ስራሕቱ እናነጠፈ ከምዝመፅአን  ሎሚ እውን ከም ትማሊ መሪሕ ኮይኑ ይረባረብ ከምዘሎን ኣብሪሆም። “ዞባ ምዕራብ ብስፍሓት ስራሕቲ ሕርሻን ዝሳለጠሉ እዩ” ዝበሉ ኣይተ ኢሳያስ ፍርያት ሕርሻ ዝጥቀም  ፓርክ ኢንዳስትሪ ባዕኸር ኣብቲ ዞባ ምትካሉ ንሰብ ሃፍትን ሓረስቶትን ዞባ ምዕራብ ዓብዩ ዕድል ከም ዝፈጥር ኣረዲኦም።

ጠቕላላ ህንፀት ባዕኸር ፓርክ ኢንዳስትሪ ኣብ ልዕሊ 1000 ሄክታር መሬት ዝዓርፍ ኮይኑ ኣብ ዙርያ እቲ ኢንዳስትሪ መገብቲ ዝኾኑ 60 ዓበይቲ ከምኡ እውን 120 ማእኸለዎት ፋብሪካታት ክህልዉ ምዃኖም ድማ ተገሊፁ ኣሎ። ነቲ ፋብሪካ ዝምግቡ ማእኸለዎት ስግግር ገፀርን ዕዳጋን ኣብ ሽረ እንዳስላሰ፣ ዓዲ ጎሹ፣ ዓዲ ሕርዲ፣ ማይ ጋባ፣ ዳንሻ፣ ማይካድራን ሰቲት ሑመራን ከም ዝህነፁ እውን ተገሊፁ ኣሎ።

ጠቕላላ ህንፀት ፓርክ ኢንዳስትሪ ባዕኸር ኣርባዕተ ዓማዉቲ ዝወስድ እንትኸውን ኣብ ልዕሊ 258 ሄክታር ብሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ቢልዮን ብር ብቀዳማይ ዙር ዝህነፅ ፋብሪካ ግና ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክጠቓለል ምዃኑ ተሓቢሩ።

ነበርቲ ባዕኸርን ከባቢኣን እቲ ፓርክ ኣግሮ ኢንዳስትሪ ህንፀቱ ምስ ተዛዘመ ኣብ ተረባሕነቶም ልዑል ውፅኢት ክህቦም ዓብይ ትፅቢት ከም ዘለዎም ገሊፆም። ነባሪት ባዕኸር ዝኾና ወ/ሮ ፍረወይኒ ብርሃነ ከም ዝገለፅኦ፣ ኣብ ቀፃሊ ዘፍርይኦ ፍርያት ሕርሻ ዝሓሸ ጠለብ ዕዳጋ ብምርካብ ዝለዓለ ኣታዊ ክረኽባ ተስፋ ኣለወን።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ዝህነፅ ፓርክ ኣግሮ ኢንዳስትሪ ባዕኸር ህንፀቱ ምስ ተዛዘመ በብዓመቱ 700 ሽሕ ቶን ዝተፈላለዩ ፍርያታት ሕርሻ ብምውህሃድ/ብምቅንባር/ ካብ ሰደድ ልዕሊ 18 ቢልዮን ብር ዓመታዊ ኣታዊ ዝርከበሉ ምዃኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

መደብ ልምዓት መስኖ ዞባ ማእኸል ብዝተጠናኸረ ኣገባብ ይፍፀም  ኣሎ

ኣብ 2009 ዓ.ም ብመስኖ ክለምዕ ካብ ዝተትሓዘ 71 ሽሕን 478 ሄክታር መሬት ዞባ ማእኸል ዛጊድ 126 ሽሕን 516 ሓረስቶት ተረባሕቲ ዝገበረ ልዕሊ 56 ሽሕ 955 ሄክታር መሬት ብመስኖ ምልማዕ ከም ዝተኽኣለ ቤት ፅሕፈት ህወሓት እታ ዞባ ገሊፁ።

ሓላፊ ውዳበታት ህዝቢ ዞባ ማእኸል ኣይተ ሽሻይ ግርማይ ብፍሉይ ንጋዜጣ ወይን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ ኣብ 2009 ዓ.ም ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መድረኻት ስዒቡ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ልምዓት እናተሳለጡ ይርከቡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ እዚ ዓመት ዛጊድ ተረባሕቲ ካብ ዝኾኑ ልዕሊ 56 ሽሕ ወገናት እታ ዞባ፣ 11 ሽሕን 25 ሄክታር መሬት ዘልምዓ 29 ሽሕን 903 ደቂ ኣንስትዮ እንትኾና 14 ሽሕን 914 ሄክታር መሬት ዘልምዑ ድማ 32 ሽሕን 158 መናእሰይ ምዃኖም ገሊፆም።

ኣብቶም ዝግበሩ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ እቲ መሪሕ ዝኾነ ግንባር ቀደም ኣባል ውድብ  እናመርሐ ከም ዝርከብ ኣይተ ሽሻይ ኣረዲኦም። ብመሰረት እዚ ኣብ 2009 ዓ.ም 86 ሽሕን 239 ኣባላት ውድብ 27 ሽሕን 515 ሄክታር መሬት ብመስኖ ከልምዑ ትልሚ ተታሒዙ ክሳብ ፍርቂ ለካቲት 2009 ዓ.ም 24 ሽሕን 772 ሄክታር (90 ምኢታዊ) ክለምዕ ከም ዝኽኣለ ሓቢሮም።

ሓረስቶት እታ ዞባ ብዝወነንዎም ብኣማራፅታት ማይ ኣቢሎም መፍረይነት መስኖ ንምዕባይ ኣብ ዝተገበረ ምንቅስቓስ  103 ሽሕን 750 መራሕቲ ስድራ ሓደ ኣማራፂ ማይ ከምኡ እውን 49 ሽሕን 842 መራሕቲ ስድራ ክልተ ኣማራፅታት ማይ ዝወነኑ ምዃኖም እቶም ሓላፊ ገሊፆም። 20 ሽሕን 667 መራሕቲ ስድራ ድማ ሰለስተን ልዕሊኡን ኣማራርፅታት ማይ ምውናን ከም ዝኽኣሉ ወሲኾም ሓቢሮም። ሓረስቶት ኣማራፅታት ማይ ወኒኖም ማለት ብምሉኦም ናብ ልምዓት ኣትዮም እዮም ማለት ከም ዘይኮነ ዘረድኡ እቶም ሓላፊ ብቐፃልነት እናሰዓብካ ናብ ልምዓት ዝእተወሉ ኩነታት እናፈጠርካ ምኻድ ከም ዝግባእ  ኣመልኪቶም።

 ከም ዞባ ንስራሕቲ ልምዓት መስኖ ኣብ ጠለብን ምጥቃምን ዘመናዊ ድኹዒ ምጉዳል ከም ዘለዎ ዝገለፁ ኣይተ ሽሻይ እዚ ካብ ዝተትሓዘ 65 ሽሕን 122 ኩንታል ዓመታዊ ሸቶ ዛጊድ ዘሎ ፍፃምኡ 5‚634 ኩንታል (ሸሞንተ ምኢታዊ) ምህላው አረዲኦም። ብመንፅር ሽፋን ግና ብፅቡቕ ከይዲ እናተፈፀም ከም ዘሎ እዮም እቶም ሓላፊ ዘብርሁ።

ደድሕሪ መድረኻት ተሃድሶ ብዝተፈጠረ ዋዕይ ወረዳታት ኣብ ልምዓታዊ ውድድር ከም ዘለዋ ዝሓበሩ ኣይተ ሽሻይ ብንፅፅር ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ልምዓት መስኖ ዘለወን ወረዳታት ዓድዋ፣ ቆላ ተምቤን፣ ኣሕፈሮምን ላዕላይ ማይጨውን ምዃነን ኣብሪሆም። እዚ ኮይኑ ብሰንኪ ጉድለት መሪሕነት ድኽም ዝበለ ኣፈፃፅማ ዘለዋ ወረዳ ከዓ ወርዒ ለኸ ከም ዝኾነት ገሊፆም።

ኣብ ክሊ እቶም ክሳብ ሕዚ ተረኺቦም ዘለዉ ጥንካረታት ልምዓት መስኖ እናሰዓብካ ክስርሐለን ዝግብኣ ተግባራት ከም ዘለዋ እውን ኣይተ ሽሻይ ሓቢሮም። ብፍላይ ኣብ ጠለብን ምጥቃምን ዘመናዊ ድኹዒ ዘሎ ትሑት ፍፃመ ኢሉ እውን ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ንተረባሕነት መናእሰይ ብዘጠናኸረ ኣገባብ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ኣሕይልካ ምስራሕ ዘድልየሉ ምዃኑ  ብኣፅንኦት ገሊፆም።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 959
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ግንቦት 2009